Fana: At a Speed of Life!

ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሕውነት ንምጥንኻር ዘኽእል ስራሕቲ ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሕውነት ንምጥንኻር ዘኽእል ስራሕቲ ትሰረሕ ከምዘላ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሬሚ ማሬሾ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንክዓስል፥ ፈረንሳይ ኣብ ትግበራ ስምምዕ ሰላም ከምዝሓገዘት ተዛሪቦም።

እዚ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣጠናኺራ ከትቅፅለሉ ኢያ ኢሎም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ ኣብ ምህናፅ ኣብ ዝግበር ስራሕቲ ዝግበር ደገፍ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ፓሪስ ብምርካብ ውፅኢታዊ ዘተ ምግባሮም ኣዘኻኺሮም።

ከልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዘትግበሩ ፕሮጀክቲታት ዘግበሩ ምትሕብባራት ዝጠመተ ለዝብ ከምዝገበሩ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሕውነት ንምጥንኻር ዘኽእል ስራሕቲ ልምዓት ዝግበር ደገፍ ከምእትቕፅለሉ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.