Fana: At a Speed of Life!

ፈላማይ ጉባኤ ባዮቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘሰናደአቶ ፈላማይ ጉባኤ ባዮቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ (ዶ/ር)፥ ኩለ መዳይ ምዕባለ ሃገር ዕላዊ ንምግባር ንሳይንስን ቴክኖሎጂን ጠመተ ሂቡ ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊፆም።

መንግስቲ ኣብ ዓውዲ ባዮቴክኖሎጂ ዝስርሑ ስራሕቲ ንምድጋፍ ድልዊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ጉባኤ ንኣፍሪካ ሰፊሕን ዓለም ለኻዊን መድረኽ ማሕበረሰባዊ ባዮቴክኖሎጂ ምፍጣር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣፍሪካ ዘጋጥማ ዘሎ ፀገማት ንምፍታሕ፥ ግደ ሳይንሳት ባዮቴክኖሎጂ፣ ዝፍጠሩ ዘለዉ ጉዳያትን ብድሆታትን ባዮቴክኖሎጂ ንምዝታይ ዘኽአል መድረኽ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ሳይንስ ባዮቴክኖሎጂን ካልኦት ምዕባለታትን ዘስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ንምፍላጥ እቲ መድረኽ ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።

ብይትባረክ ከበደ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.