Fana: At a Speed of Life!

ፈላማይ ጉባኤ መርሃ ግብሪ ዝተዋደደ መፅናዕቲ ቲቢ ደቡብን ምብራቕን ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈላማይ ጉባኤ መርሃ ግብሪ ዝተዋደደ መፅናዕቲ ቲቢ ደቡብን ምብራቕን ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኢንስቲትዩት ምርምር ኣርማወር ሓንሰን፣ ሚኒስቴር ጥዕናን ምስ ዓለም ለኸ ትሮፒካል ዲዚዝ ሪሰርች ትካል ጥዕና ብሓባር ብምዃን ዘዳለውዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብ ደቡብን ምብራቕን ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኣ 22 ሃገራት ኣብ ቲቢ ዘለወን ልምዲ ንምክፋል ኢሉእውን እቲ ሕማም ንምግታእ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ፣ ዘጋጠሙ ፀገማትን መፍትሒኦምን ብዝምልከት ንምዝታይ ዘኽአል መድረኽ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ኣርማወር ሓንሰን ፕሮፌሰር ኣፈወርቅ ካሱ፥ ሕማም ቲቢ ናይዚ መዋእል ሕማም ብምዃኑን ኣብ ዓለም  1 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሰባት ብሰንኪ እቲ ሕማም ህይወቶም ከምዝስእኑን ሓቢሮም።

10 ሚሊየን ሰባት በቲ ሕማም ከምዝልከፉ ብምግላፅ፥ ስትራቴጂ ምክልኻል ቲቢ ተሰናዲኡ ስራሕቲ ምክልኻል፣ ምምርማርን ምሕካምን ይስራሕ ከምዘሎ ምዝራቦም ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.