Fana: At a Speed of Life!

ፅዕንቶ ዲፕሎማሲ ንምክልኻል ግደ ዲያስፖራ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሉዓላዊነት ሃገር ንምኽባር ኣብ ዝግበር ምንቕስቃስ ግቡእ ዘይኮነ ፅዕንቶ ዲፕሎማሲ ንምክልኻል ግደ ዲያስፖራ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ሚኒስትር ዴኤታ  ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን፡፡

ምንቕስቃስ ኣፈፃፅማን ትልምን ዲፕሎማሲ ዲጂታል ፐብሊክን ዳያስፖራ ኣመልኪቱ ኣምባሳደራት ፌዴሪኢ፣ መራሕቲ ሚሲዮናት፣ ሓለፍትን ኣባላትን ኣወዳድባ ዳያስፖራን ብመርበብ ሓበሬታ ተዛትዮም፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ÷ መንግስቲ ሉኣላውነት ሃገር ንምኽባር ዝጀመሮም ስራሕቲ ኣብ ዝኾነ እዋንን ኩነታትን ኣጠናኺሩ ከምዝቅፅል ገሊፀን፡፡

ሓቅታት ኢትዮጵያ ንምርዳእን ባህርታት ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ዝፈፀሞም ጥፍኣታትን ንምግላፅ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ እጃሙ ክፃወት ከምዘለዎ እውን ሓቢረን፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ዶ/ር መሐመድ እንድሪስ ብግደኦም፤ እቲ መድረኽ ግቡኣት ዘይኾኑ ፅዕንቶታት ዲፕሎማሲ ንምምካትን ሓቅታት ኢትዮጵያ ንምርዳእን እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ብዝበለፀ ዕውታት ንምግባር ከምዝተዳለዉ ምግላፆም ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.