Fana: At a Speed of Life!

ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ዓለም ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሉ መበል 22 ውድድር ኩዕሾ እግሪ ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኳታር ክጅምር ኢዩ።

ስነ ስርዓት መኽፈቲ እቲ ውድድር፥ ከባቢ 60 ሺሕ ተመልከትቲ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ኣብ ዘለዎ ስታዲየም ኣል በይት ክካየድ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት መኽፈቲ፥ ሳውንድ ትራክ እቲ ውድድር ተባሂሉ ብፊፋ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ “ሃያ ሃያ” (ሓድነት ይሕሽ) ዝብል ሙዚቃ ክቐርብ ኢዩ፡፡

ድሕሪ እቲ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ምሸት ሰዓት ሓደ ኣሰናዳኢት ሃገር ኳታር ምስ ኢኳዶር ፈላማይ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም እዚ ዓመት ክገብራ ኢየን።

ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ ዝፀንሕ መርሃ ግብሪ ውድድር፥ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ህዝቢ ኣብ ስታዲየም ተረኺቡ ፀወታ ክርኢ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.