ፅንሰ ሓሳብ ምድማር መሰረት ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢዩ- ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅንሰ ሓሳብ ምድማር ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ንምቕፃል መሰረት ከምዝኾነ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክብ ህዝቢ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም።
“ምድማር ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” በዝብል መሪሕ ሓሳብ ግዜኢ ዘሰናደኦ ሃገር ለኸ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣይተ ኣዲሱ፥ ባህሌ ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ንምምምዕባል ናይ ኣፈላላይ ሓሳባት ዝውዝዕሉ መድረኽ ዘተን ልዝብን የድሊ ኢሎም።
ፅንሰ ሓሳብ ምድማር ኢትዮጵያ ዘለውዋ ፀገማት እትፈትሐሉን መፍትሒ ዘርእዩ ሓሳባት ዝወለደ ሃገር ቦቆል ክብሪ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ፅንሰ ሓሳብ ስምብራት ታሪኽ ዝኾኑን ገትርነት ርእዮተ ኣለም ዝወለዶምን ዕንቅፋታት መፍትሒ ምሃብ ዘኽእል ከምዝኾነ አወን ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ፅንሰ ሓሳብ ምድማር መሰረት ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።