Fana: At a Speed of Life!

ፅኑዕ ስነ ልቦና ንፀገማት እትሳገረሉ ደልድል ኢዩ-መንእሰይ በለጠ ቡቱና

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅኑዕ ስነ ልቦና ዘይምኽኣል ናብ ምኽኣል እትሳገረሉ ደልድል ኢዩ ክብል ተመራቒ ተምሃራይ ዩንቨርስቲ ሃዋሳ በለጠ ቡቱና ገሊፁ።

ኣብቲ ዩንቨርስቲ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ብመርሃ ግብሪ ምሸታዊ ዓውደ ትምህርቲ ማኔጅመንት ትምህርቲ ዝተኸታተለ ተምሃራይ  በለጠ ቡቱና ፅኑዕ ስነ ልቦና እንተሃሊዩ ዘይሕለፍ መገዲ የለን ኢሉ።

እቲ መንእሰይ ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ኣዲኡ ካብ ምስኣን ብተወሳኺ ብዙሓት ፈተንቲ ኩነታት ከምዘሕለፈ ይገልፅ።

ኣብ ዩንቨርስቲ ሃዋሳ ናይ ሓደ ዓመት ፃንሒት ምስ ገበረ እቲ ዩንቨርስቲ ናፃ ኣገልግሎት ተምህርቲ፣ መደቀሲን ምግብን ከምዘመቻቸወሉ ገሊፁ።

እቲ ጉድእ ኣካል ዝኾነ መንእሰይ በለጠ ኣቦ እውን ከምዘይብሉ ይዛረብ።

ይኹን እንበር ንፀገማትን ዘጋጥሙ ብድሆታትን ኢድ ከይሃበ ጉዕዝኡ ብምቕፃል 3 ነጥቢ 2 ውፅኢት ብምሓዝ ብቐዳማይ ዲግሪ ተመሪቑ ኣሎ።

ብመቅደስ ኣስፋውን ታመነ ኣረጋን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.