Fana: At a Speed of Life!

ፅባሕ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ዝካየድ ሰልፊ ድጋፍ ብሰላም ንኽዛዘም ኣድላዪ ቅድም ምድላው ከምዝተገበረ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታ ድሕንነትን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ዝካየድ ሰልፊ ድጋፍ ብሰላም ንኽዛዘም ኣድላዪ ቅድም ምድላው ዛዚሙ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታ ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

እቲ ሰልፊ ድጋፍ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ዝተወሰኑ መገዲታት ንተሸከርከርቲ ከምዝዕፀዉ እውን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

“ንኢትዮጵያ ጠጠው ክብል ኢየ ድምፀይ ከስምዕ ኢየ” ብዝብል መሪሕ ቃል ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት 12ን 13 ጥቅምቲ ሰልፊ ድጋፍ ክካየድ ኢዩ።

እቲ መርሃ ግብሪ ብሰላም ተጀሚሩ ንኽዛዘም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ዛዚሙ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ገሊፁ።

ኣብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ዝካየድ ሰልፊ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ምጭንናቕ ትራፊክ ከየጋጥም ንተሸከርከርቲ ዝዕፀዉ ዝተወሰኑ መገዲታት ድማ:-

  • ካብ መገናኛ ናብ መስቀል ኣደባባይ ከምኡ እውን ካብ ኤድናሞል ብኣትላስ ናብ ካዛንቺስ ዝወስድ መንገዲ ኣብ ኡራኤል ኣደባባይ
  • ካብ ጎተራ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ኣብ ኣራተኛ ክፍለጦር
  • ካብ ጎፋ ብሓዱሽ መገዲ ናብ ለገሃር ንዝመፅኡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቂርቆስ ዝርከብ መስቀለኛ መገዲ
  • ካብ ቡልጋሪያ ብሜክሲኮ ኣደባባይ ናብ ለገሃር ዝኸዱ ኣብ ለገሃር
  • ካብ ሳር ቤት ናብ ሜክሲኮ ኣደባባይ ከምኡ እውን ካብ ጦር ሃይሎች ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ልደታ ናብ ለገሃር ዝወስድ መገዲ ኣብ ኣደባባይ ሜክሲኮ
  • ካብ ተክለ ሃይማኖት ብጎማ ቁጠባ ናብ ለገሃር ዝወስድ መገዲ ኣብ ሰንጋተራ ከባቢ ኮንደሚንየም 40/60
  • ካብ ጌጃ ሰፈር ፣ ብኣምስተኛ ፖሊስ ጣቢያ ዝኸዱ ኣሽከርከርቲ ኣብ ከባቢ ጎማ ቁጠባ
  • ካብ መርካቶ ብተክለ ሃይማኖት ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ሆስፒታል ኣብ በሪ ሜትሮሎጂ
  • ካብ ራስ ቴአትር ብውሽጢ ንውሽጢ ጎላ ሚካኤል ኣብ መስቀለኛ መገዲ ጎላ ሚካኤል
  • ካብ ተክለ ሃይማኖት ጥቁር ኣንበሳ ኢሚግሬሽን ኣብ ጥቓ ሼል ሆስፒታል
  • ካብ ፒያሳ ብጎደና ቸርችል ናብ ለገሃር ኣብ ኣደባባይ ቴዎድሮስ
  • ካብ ኣረጊት ቄራ ፍል ውሃ ኣብ ከባቢ ንግድ ማተሚያ
  • ካብ ካዛቺስ ናብ ሂልተን ኣብ ከባቢ ካዛንቺስ ቶታል
  • ካብ ኣወሬ ብካዛንቺስ ናብ ፍል ውሃ ዝወስድ መንገዲ ኣብ ከባቢ ፍል ውሃ

ኣሽከርከርቲ እቶም ዝተፀርሑ ከባቢታት ካብ ለይቲ ሰዓት 11 ጀሚሩ ንተሸከርከርቲ ዕፁው ከምዝኾኑ ፈሊጦም÷ ኣማራፂ መገዲ ንኽጥቀሙን ንሓፂር ይኹን እዋን ይኹን ነዊሕ ሰዓት ተሸከርካሪት ጠጠወ ኣቢልካ ምኻድ ከምኡ እውን ካብ ዓርቢ ምሸት ጀሚሩ ተሸከርካርቲ ምሕዳር ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.