Fana: At a Speed of Life!

ፅባሕ ብብርኪ ፌዴራል ሓዱሽ መንግስቲ ካጣየሽ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መሰከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ፅባሕ 24 መስከረም 2014 ዓ.ም ብብርኪ ፌዴራል ሓዱሽ መንግስቲ ካጣየሽ ኢዩ።

ዓንቀፅ 58 ንኡስ ዓንቀፅ 2 ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ፥ ብህዝቢ ዝተመረፀ ሓዱሽ ዝጣየሽ ባይቶ ወከሊቲ ህዝቢ ናይ ስራሕ ጊዜኡ ክጅምሮ ዘለዎ “ኣብ ወርሒ መስከረም መወዳእታ ሰሙን ዕለተ ሰኑይ” ብዝብል ብመሰረት ዝደንገጎ ኢዩ ፅባሕ ብብርኪ ፌዴራል ሓዱሽ መንግስቲ ዝጣየሽ።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ቅንያቱ ንጋዜጠፃታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ዕላዊ ብመሰረት ዝተገበረ ውፅኢት ምርጫ ሰነ 14፤ 24 መስከረም 2014 ዓ.ም  ሓዱሽ መንግስቲ ከምዝጣየሽን ነዚ ሕጋዊ ኩነታት ምምልኦምን ኣፍሊጦም ኢዮም።

ኣብ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 56፥ “ ኣብቲ ባይቶ ኣብዝሓ መቐመጢ ዝረኸበ ፓርቲ ፖለቲካ ኣካል ኣፈፃሚ ሕጊ መንግስቲ ፌዴራልይውድብ፤ ይመርሕ” ኢሉ ብመሰረት ዝደንገጎ፥ 14 ሰነ 2013 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ዝሰዓረ ፓርቲ ኢዩ ሓዱሽ መንግስቲ ናይ ምጥያሽ ስልጣን ዘለዎ።

ስለ ዝኾነ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ብመሰረት ዕላዊ ዝገበሮ ውፅኢት ምርጫ   መንግስቲ ናይ ምጥያሽ ስልጣን ዘለዎ ውድብ ፓርቲ ልፅግና ከምዝኸነ ይፍለጥ።

ሓዱሽ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድማ ኣብዚ ታሪኻዊ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር እዛ ሃገር ክሾም ኢዩ።

ተሸያሚ ቀዳማይ ሚኒስትር ድማ ከምብሓዱሽ ኣብ ዝውደብ ኣወዳደባ ካቢኔኡ ነቲ ባይቶ ብምቕራብ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብኣሰፋ ኣሕመድ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.