Fana: At a Speed of Life!

ፅሬት ፍርያት ቡን ብምምሕያሽ ሸርፊ ወፃኢ ንምድንፋዕ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅሬት ፍርያት ቡን ብምምሕያሽ ካብቲ ዓውዲ ዝርከብ ሸርፊ ወፃኢ ንምድንፋዕ ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ነቲ ዓውዲ ትኹረት ብመሃብ ቡን ብኩታ-ገጠም ምፍራይን ዝኣረጉ ተኽሊታት ቡን ናይ ምሕዳስ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ብምግላፅ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፍርያት ምሃብ ከምዝጀመሩ ኣይተ ሻፊ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት እውን 326 ሺሕ ቶን ቡን ናብ ዕዳጋ ዓለም ብምቕራብ 1 ነጥቢ 8 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ንምግባር ትልሚ ከምዝሓዘ ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡

መፍረያይነት ንምድንፋዕ ዝተሰርሐ ስራሕ ዘዕግብ ይኹን እምበር ብመንፅር ፅሬት ግን ክመሓየሽ ዝግበኦ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

ኢትዮጵያ ንዕዳጋ ዓለም ተቕርቦ ፍርያት ቡን ፅሬቱ 1ይ ደረጃ 13 ሚኢታዊ ጥራሕ እንትኸውን÷ ዝለዓለ ቁፅሪ ዝሕዝ ደረጃ ፅሬት 4ይን 5ን ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.