ፀገም ፀፅታ ኣብ ቀረብ ፍርያት ሰሊጥ ፈተና ከምዝኾነ ተሓቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣን ክልል ኣምሓራ ዘሎ ፀገም ፀፅታ ፍርያት ሰሊጥ ናብ ዕዳጋ ኣብ ምቕራብ ምትእጉጓል ከምዝፈጠረ ቢሮ ንግዲን ልምዓት ዕዳጋን እቲ ክልል ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት 1 ሚሊየን 800 ሺሕ ኩንታል ሰሊጥ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ተተሊሙ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ዝሓበሩ ምክትል ሓላፊት እቲ ቢሮ ኣትክልት ኣሳቤ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪበን፡፡
ክሳብ ትማሊ ምሸት 771 ሺሕን 360 ኩንታል ሰሊጥ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ኣረጋጊፀን፡፡
ይኹን እምበር ፍርያት ሰሊጥ ካብ ዝራእቲ ሓረስቶት ጀሚሩ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ኣብ ዝግሩ ከይዲታት ፀገም ፀፅታ ምትእጉጓል ብምፍጣር ፈታኒ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡