Fana: At a Speed of Life!

ፀገማት ናህሪ ናብራ ንምፍታሕ ዓሊሙ ዝስራሕ ዘሎ ተግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ – ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምንቅስቓስ ፍሪያት ንምስፋሕን ፀገማት ናህሪ ናብራ ንምፍታሕን ዓሊሙ ዝስራሕ ዘሎ ተግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ገንዘብ  ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ገሊፆም።

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር ኢ/ር)ን ከንቲባ ምምሕዳር ሃዋሳ መኩሪያ መርሻየን ኣብ ሃዋሳ ይካየድ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዘተ ብተሳተፍቲ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም።

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ፥ ምስ ልምዓት ብምዝማድ ዝግበሩ ዘለዉ ፕሮጀክትታት ልምዓት ናብ ታሕቲ ንክወርድ ብፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ብቐፃልነት ብዝስርሑ ተግባራት ዕላዊ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ብመገዲ ልምዓት መንግስቲ ይሰርሐሉ ከምዘሎ ብምሕባር፥ ፀገም ሰላም ዝረኣየሎም ክልላት ብዝበለፀ ሰላም ንክረኽቡ ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።

እቲ ፀገም ንክፍታሕ መንግስቲ ንድርድር ሰላም ኩሉ ግዘ ድልዊ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ብመንፅር ኢኮኖሚ ምንቅስቓስ ፍሪያት ንምስፋሕን ፀገማት ናህሪ ናብራ ንምፍታሕን ዓሊሙ ዝስራሕ ዘሎ ተግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም።

ብብርሃኑ በጋሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.