Fana: At a Speed of Life!

ፀገማት ብመሰረት መስቀል ዘምሃረናብሰላም ማዕርነትን ፍቕሪን ምፍታሕ ይግባእ-ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2017(ኤፍ ቢ ሲ)ንኢትዮጵያ ዝፍትኑዋ ዘለዉ ፀገማት ብመሰረት መስቀል ዘምሃረና ብሰላም ማዕርነትን ፍቕሪን ምፍታሕ ይግባእ ክብሉ ፓትርያርክ ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ገሊፆም።

ብሰዓብቲ እምነት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝኽበር በዓል መስቀል ደመራ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ብድሙቕ ስነ ስርዓት ይኽበር ኣሎ።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝኽበር በዓል ደመራ ባሪኾም።

ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ መስቀል መንፈሳዊ ሓይሊ ከምዝህብ መርኣያ ኢዩ ኢሎም።

በዓል መስቀል ደመራ ዝኽበር ሓይሊ እግዚኣብሄር ንምዝካርን ሓያልነትን ሰዓርነትን መስቀል ኣብ ሓቅን ሰላምን ዝተደረኸ ከምዝኾነን ንምርኣይ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዓለም ባዕልኻ ንባዕልኻ ዘይምትእምማን ንክፍጠር ዝገበረ ብመስቀል ዝተሓላለፈ መልእኽቲ ተግባራዊ ብዘይምዃኑ ኢዩ እውን ክብሉ ገሊፆም።

ካብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ጀሚሩ ንኢትዮጵያ ዝፍትኑዋ ዘለዉ ፀገማት ብመሰረት መስቀል ዘምሃረና ብሰላም፣ ማዕርነትን ፍቕሪን ምፍታሕ ይግባእ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.