Fana: At a Speed of Life!

ፀዓኒት ኣቑሑት ኣውሮፕላን መገዲ ኣየር ኢትጵያ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሸንጋይ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፀዓኒት ኣቑሑት ኣውሮፕላን መገዲ ኣየር ኢትጵያ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሸንጋይ ኣቕሓ እናፀዓነት እናሃለወት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙዋ።

ኩሎም ሰራሕተኛታት ኢታ ኣውሮፕላን ኣብ ፅቡቕ ድሕንነት ከምዝርከቡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እቲ ሓደጋ ኣመልኪቱ ብዘውፀኦ መግለፂ፥ ቦይንግ 777 ኢቲ ኤ ኤች ዝተብሃለት ናይ ፅዕነት ኣውሮፕላን ኣቑሑት እናፀዓነት እናሃለወት ብሓዊ ከምዝተተሓሓዘት ገሊፁ።

እታ ኣውሮፕላን ካብ ሻንጋይ ናብ ሳኦ ፓሎ ስሩዕ በረራ ካርጎ ንምግባር ምድላው እናገበረት ከምዘነበረት ተሓቢሩ።

ኣብታ ኣውሮፕላን ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንምቁፅፃር ድማ ኢትዮጵያ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ከምዝሰርሐት እቲ እቲ መገዲ ኣየር ኣገንዚቡ።

መልዐሊ ምኽንያት እቲ ሓደጋ ብዝምልከቶም ኣካላት እናተፃረየ ከምዝርከብ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.