Fana: At a Speed of Life!

ፀወታ ሸገር ደርቢ ንፈለማ እዋን ኣብ ዱባይ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀወታ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ቡናን ንፈለማ እዋን ኣብ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ከተማ ዱባይ ከምዝካየድ እተን ጋንታታት ኣፍሊጠን፡፡

ጋታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ቡናን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ ኣብ ዝቕፅል 16 ለካቲት 2016 ዓ.ም ኣብ ዱባይ ፀወተአን ከምዘካይዳ ገሊፀን፡፡

ማሕበራት ስፖርት ክልቲአን ጋንታታት ድማ ካብ 14 ክሳብ 17 ለካቲት 2016 ዓ.ም ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት መርሃ ግብሪታት መተኣኻኸቢ እቶት ከምዘሳልጡ ተሓቢሩ።

እቲ ውሳነ÷ ክልቲን ጋንታታት ዓለም ለኸ ተሞክሮታት ክረኽባ ንምግባርን ኣብቲ ዓውዲ ርክብ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብን ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፀወታ ክልቲአን ጋንታታ ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን ከምዝህልዎ እውን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ፡፡

ብወርቅነህ ጋሻሁን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.