ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ሎሚ መዓልቲ ቀፂሎም ካካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ዙር ካልኣይ መዓልቲ ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ቀፂሎም ክካየዱ ኢዮም፡፡
ብመሰረት ምሸት 2፡45 ጋንታ ቤልጂዬም ክለብ ብሩጅ ምስ ጣልያናዊት ኣታላንታ ክራኸባ ኢየን፡፡
ምሸት ሰዓት 5 ድማ ስኮትላንዳዊት ጋንታ ሴልቲክ ምስ ባየርንሙኒክ፣ ሆላንዳዊት ፌይኑርድ ምስ ኤሲሚላን ከምኡ እውን ሞናኮ ምስ ሆላንዳዊት ጋንታ ቤኔፊካ ክፃወታ ኢየን፡፡
ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተገበሩ ፀወታታት እቲ ሊግ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ማንቸስተር ሲቲን ሪያል ማድሪድን ብዓወት ጋንታ ሪያል ማድሪድ 3 ን 2 ተዛዚሙ፡፡
ፒ ኤስ ጂ ንብረስት 3 ን 0፣ ጁቬንቱስ ንፒኤስቪ 2 ን 1 ከምኡ እውን ቦሩሺያ ዶርቱሙንድ ስፖርቲንግ ንሊዝበን 3 ን 0 ክስዕራ ክኢለን፡፡