Fana: At a Speed of Life!

ፀብፃብ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘይእመን፣ ሙያዊ ኣካይዳ ዘይተኸተለን ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎን ኢዩ- ኣምባሳደር ዘነበ ከበደ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀብፃብ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘይእመን፣ ሙያዊ ኣካየዳ ዘይተኸተለን ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎን ኢዩ ክብሉ ቀዋሚ መልእኽተኛ ኢትዮጵያ ኣብ ጄኔቫ ኣምባሳደር ዘነበ ከበደ ገሊፆም።

ኣብ ስዊዘርላንድ ጄኔቫ ዝካየድ ዘሎ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሳታፊ ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ንክፃሪ ዝተጣየሸ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ፀብፃብ ቀሪቡ።

ቀዋሚ መልእኽተኛ ኢትዮጵያ ኣብ ጄኔቫ ኣምባሳደር ዘነበ ከበደ ነቲ ፀብፃብ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ ፀብፃብ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘይእመን፣ ሙያዊ ኣካየዳ ዘይተኸተለን ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎን ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ዝተደንገጉ ሰብኣዊ መሰላት ከምእተኽብር ዘረጋገፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ፀብፃብ እቲ ኮሚሽን ብሽፋን ሰብኣዊ መሰላት ፖለቲካዊ ባህጊ ንምዕዋት ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ንምኽባስን ኣብዛ ሃገር በህዝቢ ዝተመረፀ ሕጋዊ መንግስቲ ብሓይሊ ንምግልባጥ ኲናት ከምዝኸፈተ ሓቢሮም።

ዝቐረበ ፀብፃብ ቅድመ ሐዚ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውሕመን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ንዝገበርዎ ሓበራዊ ምርመራ ኣፍልጦ ዘይሃበን ዘነኣሰን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.