Fana: At a Speed of Life!

ፀብፃብ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘቕረቦ ፀብፃብ ከምዘይቕበልኡ ብዙሓት ሃገራት ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀብፃብ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘቕረቦ ፀብፃብ ከምዘይቕበልኡ ብዙሓት ሃገራት ገሊፀን።

መበል 51 ስሩዕ ኣኼባ ሰብኣዊ ቤት ምኽሪ ውድብ ሕቡራት መንገስታት ካብ 2 መስከረም ጀሚሩ ኣብ ጄኔቫ ይካየድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕልኡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሳታፊ ዘተ የካይድ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ንከፃሪ ዝተጣየሸ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰል ፀብፃብ ኣዳሚፁ።

እቲ ኮሚሽን “ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ምርመራ ግዘ ይናወሐለይ” ብዝበል ዘቕረቦ ሕቶ እተን ኣባል ሃገራት እቲ ፀብፃቡ ተዛቲየናሉ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፋ ብዙሓት ሃገራት እቲ ፀብፃብ ገለልተኛ ኣይኮነን ከምኡውን ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ኢዩ ብዝብል ኣይተቐበልኡን።

ነቲ ፀብፃብ ካብ መንጎ ዝተቐወማ ሃገራት፥ ቻይና፣ ሩሲያ፣ ኪዩባ፣ ቤላሩስ፣ ሰሜን ኮሪያ፣ ቬንዙዌላን ሃገራት ኣፍሪካን ከምዝርከብኡ ተገሊፁ።

ሩሲያ ኣብ ዘቕረበቶ መደረ፥ እቲ ፀብፃብ ፖለቲካዊ ልኡኽል ዘለዎ ኢዩ ኢላ።

ቅድም ክብል ብላዕለዋይ ኮሚሸን ሰብኣዊ መሰል ውሕመን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያጵያን ብሓባር ዝሰርሕዎ ምርመራን ፀብፃብን ኣፍልጦ ከምእትህብ እውን ገሊፃ።

እቲ ኮሚሽን ዘሰናደኦ ፀብፃብ ሙያዊ ኣካይዳ ዘይተኸተለ ከምዝኾነን ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ከምዘለዎን እውን ሓቢራ።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፋ ሃገራት ኢትዮጵያ ናይ ውሽጣ ፀገም ባዕላ ምፍታሕ ከምእትኽእል ብምግላፅ እቲ ፀብፃብ ከምዘይቕበልኡ ገሊፀን።

ስለዝኾነ ኩለን ኣባል ሃገራት ኣብ ኢትዮጵዩ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ኩሎም ኣካላት ብሕብረት ኣፍሪካ ዘምራሕ ኣማራፂ ሰላም ንክሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.