Fana: At a Speed of Life!

ፀብፃባት ድሌትን ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢን ኢትዮጵያ ብምርዳእ ክስርሑ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ተለዋዋጣይ ነባራዊ ኩነታት ዓለም ብምግንዛብ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሕልዉ ስራሕቲ ትኹረት ብምግባር ክሰርሑ ተሓቲቱ።

ተለዋዋጣይ ነባራዊ ኩነታት ዓለምን ጂኦ-ፖለቲካል ኣሰላልፋን ኣብ ስራሕቲ ሚዲያ ዝህልዎ ትርጉም ትኹት ዝገበረ ስልጠና ተኮር መድረኽ ፓናል ዘተ ይካድ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ምስ ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢን ሆርን ሪቪው ምስ ዝተብሃለ ትካል ኦንላይን ሚዲያን ብምትሕብባር ዝተሰናደአ ኢዩ።

ካብ ዝተፈላለያ ትካላት መራኸቢ ሓፋሽ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ዝተሳተፉሉ እቲ መድረኽ÷ ሰብ ሞያ መራኸቢ ሓፋሽ ኣብ እዋናዊ ተለዋዋጢ ኩነታት ዓለምን ጂኦ-ፖለቲካዊ ጉዳያትን ግንዛቤ ብመሓዝ ንኽሰርሑ ንምሕጋዝ ዓሊሙ ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኢኒስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ኣብዲ ዘነበ፣ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዘሩባቤል ጌታቸው (ዶ/ር)፣ ሓዊሱ ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።

ኣይተ በረከት ድሪባ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ መራኸብቲ ሓፋሽ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ልዑል ዓቕሚ ዲፕሎማሲ ዝፈጥራ ኢየን።

ነዚ ድማ ድሌትን ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢን ኢትዮጵያ ምርዳእ ከምዝግባእ ብምሕባር÷ መሰል መድረኻት መዕበዪ ግንዛበ ረብሐኦም ክብ ዝበለ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢንስቲትዩት ጉዳያት ኣብቲ ዓውዲ ዓቕሚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዘዕብዩ ስራሕቲ ብትኹረት ከምዝሰርሕ ምርግጋፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.