Fana: At a Speed of Life!

ፀሎተ ሓሙስ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ተኸቢሩ ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2014(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓሙስ ፅግቦ(ፀሎተ ሓሙስ) ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ኣብ መላእ ሃገር ሎሚ መዓልቲ ተኸቢሩ ውዒሉ።

ሓሙስ ፅግቦ ብኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርሰቲያንን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ትሕትና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘርእይ መገዲ ብዝተፈላለዩ ስነ ሰርዓታት ኢዩ ተኸቢሩ ።

ስለዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ መዓልቲ እግሪ ሃዋሪያት ብምሕፃብ ፍፁም ትሕትና ዘምሃረሉ ስርዓት ብምዝኽኻር እዩ እቲ በዓል ተኸቢሩ።

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ናይ ብፁኣን ጳጳሳት፣ ጳጳሳት ናይ ቆሞሳት፣ ካህናት ናይ ምእመናት እግሪ ብምሕፃብ ኣርኣያ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ ነቲ ስርዓት ፈፂመምዎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ሊቀ ጳጳሳት ዘካቶሊካዊያን ኣብ ዝተረኸብሉ ተኸቢሩ።

 

ትሕትና ብተግባር ዝተገለፀላ ዕለተ ሓሙስ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.