ፀላእቲ ክፍቱኑና ይኽእሉ እንበር ኣይስዕሩናን-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 16 ሰሙን ስሩዕ ጉባኤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ይዛተ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ብግፍዒ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ወገናት ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ዘሎ ቅትለት ሰለማዊ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣካላት ፀፅታን ፖላዊስን እውን ይቕተሉ ኣለዉ ኢዮም።
ሃገሩ ንምድሓን ህይወቱ ንዝግበር ዘሎ ሓይሊ ፀፅታ መንግስቲ እቲ ባይቶ ክብሪ ክህቦ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ግብረ ራዕዲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንዓለም ፈተና ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ግብረ ራዕዲ መልክዑ ብዙሕ ስለዝኾነ ከመይ ተሓባቢርና ነዚ ደው ነብል ዝብል ሓድነት ዘድልዮ ኢዩ ኢሎም።
ግብረ ራዕዲታት ምስ ዘርኢ ጥራሕ ፈሊና ክንርእይ ኣይብልናን፤ ነዚ ተግባር ብዝግባእ ፈሊኻ ምርኣይ ኣገዳሲ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
“ሸኔ ይኹን ካልኦት ግብረ ራዕዲታት ናይ ባዕሎም እግሪ ኣይብሎምን ብኻሊእ እግሪ እናተገጠመሎም ኢዮም ዝንቀሳቐሱ” ኢሎም።
መንግስቲ ናይ ዜጋታት ድሕንነት ምርግጋፅ ቀዳማይ ተግባሩ ኢዩ፥ ይኹን እንበር ግብረ ራዕዲ ብዝግባእ ምግንዛብን ህዝብን መንግስቲን ብዝግባእ ምድምማፅን የድሊ ክብሉ ሓቢሮም።
ግብረ ራዕዲታት ኢትዮጵያ ንምፍራስ ተሊሞም ዝሰርሑ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሽዱሽተ ግዘ ተሓሲቡ ዝነበረ ራዕዲ ከምዝፈሸለ ከም መርኣዪ ገሊፆም።
መንግስቲ ግብረ ራዕዲ ዘይኮነስ ንግብረ ራዕዲ ዝቃለስ ዘሎ ኣካል ኢዩ ክብሉ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም።
መንግስቲ ንምንኣስ ፃዕሪ ዝገብሩ ብፍላይ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኣካላት መንግስቲ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታትን ክርእዩ ይግባእ ኢሎም።
ደም ንፁሃን ብከንቱ ዘፍስሱ ሸኔ ይኹን ካልኦት ሓይሊታት ጥፍኣት ምጥፍኦም ዘይቐሪ ኢዩ፤ ራዕዲ ክፈጥሩ ይኽእሉ ኢዮም ግን ካብ ቀንዲ ዕላማና ኣየትርፉናን ኢሎም።
መንግስቲ ህይወት ዜጋታት ንምድሓን 24 ሰዓታት ይሰርሕ ኣሎ፤ ነዚ ድማ መስዋእቲ ዝኾኑ ኣካላት ፀፅታ፣ ወተሃደራትን ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ህይወቶም ብምግባር ሓለዋ ይገብሩ ኣለዉ ኢሎም።
መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ንምቁፅፃር ኣርባዕተ ሜላታት ብምሓዝ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ እቶም ሜላታት ምክልኻል፣ ምክትታል፣ ምሕላውን ምድላውን ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።
በቢእዋኑ ዘጋጥሙ ፈተናታት ብዝበለፀ እናጠንከሩናን እናፅኑዑናን እንበር እናዳኸሙና ኣይኮኑን፤ ስለዚ ፀላእቲ ክፍቱኑና ይኽእሉ እንበር ኣይስዕሩናን ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።