Fana: At a Speed of Life!

ፀላኢ ብደምናን ኣዕፅምትናን ቀቢርና ክብሪ ኢትዮጵያ ክነረጋግፅ ኢና-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እዚ ሰሜን ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ብድሕሪቱ ዝተወግኣሉ ቀዳማይ ዓመት ሎሚ መዓልቲ ይዝከር ኣሎ።

ኣብ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ 24 ጥቅምቲ ንኢትዮጵያ ክብሉ ሰፈሮመን ቤተሰቦምን ብምሕዳግ ሃገሮም ካብ መጥቃዕቲ ህዝቦም ካብ መከራ ንምድሓን ኣብ ኣንፈት ሰሜን ሃገርና ዝተሰለፉ ኣሕዋትና ባዕልቶም ኣብሊዖም፣ ከዲኖም ሰብ ዝገበርዎም ኣባላት ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ብግፍዒ፣ ጭካነን ሰባዊ ብዘይኮነ መገዲ ዝተጨፍጨፍሉ ዕለት ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

24 ጥቅምቲ ኣብ ትግራይ ብግፍዒ ዝተቐተሉ ኣሕዋትና ጥራሕ ዘይኮነስ ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ዕለት ተቐቲላ ኢያ፣ ህዝብታት ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ዕለት ተጨፍጪፎም ኢዮም ኢሎም።

እቲ ዕለት ንሕና ሎሚ ብህይወት ዘለና “ኣነ እውን ወታደር ኢየ” እንብል ኢትዮጵየውያን እኩይ ሓሳብ ሒዞም ሃገርና ንምውራድ፣ ንምብታን፣ ክብርና ንምውራድ ዝተበገሱ ሓይሊታት ብምቕባር ሓደ ምዃንናን ብናይና መስዋእቲ ሃገርና እትቕፅል ከምዝኾነት ዳግም ቃል ኪዳን እንኣትወሉ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ወረበላ ዝኾነ እኩብ ኣብ ዘዝኸደሉ እናወረረ ካብ ህዝቢ እናመንዘዐ ዝበልዕ፣ ዝሸጦ ሓሳብ ዘይብሉ ዘራፊ ጉጅለ ሐዚ እውን ብዝበለፀ ሃገርና ንምፍራስ ጉድጓድ እናኾዓተ ይርከብ ክብሉ ተዛሪቦም።

እዚ ብዕምቆት ዝኹዕቶ ጉድጓድ ፀላኢ ዝቕበረሉ እንበር ኢትዮጵያ እትፈርሰሉ ኣይኾንን ክብሉ እውን ኣረጋጊፆም።

እቲ ፀላኢ ብደምና፣ ኣዕፅምትናን ቀቢርና ኢትዮጵያ ክነቃንዓ ኢና፣ ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያ ልዕል ኣቢልና ክነንበልብል ኢና ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያ ዘበን ዘይርስዖም ፀላእቲ ክነዋርድ ኢና እንበር ኢትዮጵያ ኣይትዋረድን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ኢትዮጵያ ንምውራድ ተገዚኡ ናይ ባዕሉ ሓሳብ ዘይብሉ ባንዳ ዝፍፅመና ዘሎ በደል ንሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ድሕሪቱ ሓሳብ ዘሸከምዎ እውን ብሓድነት ኢትዮጵያ እንስዕረሉ ምዃኑ እነረጋግፀሉ ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢትዮጵያ ብናይና መስዋእትነት እትቕፅል እንበር እትፈርስ ዘይምዃና ዳግም ንዓለም ህዝቢ እነረጋግፀሉ ዕድል ኣብ ኢድና ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ነፃ ክሳብ እትኸውን ሕድ ሕድ ዜጋ “ኣነ እውን ወታደር ኢትዮጵያ ኢየ!” ኢሉ ተግባር ፀላኢ ብምውጋዝ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝስለፈሉ እዋን ጊዜኡ ሐዚ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ሕድ ሕድ ዜጋ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ሰራዊት ንምጥንኻር ብናይ ባዕሉ ፍቓድ ንክምልመልን ሕድ ሕድ ዜጋ ዘለዎ ዕጥቂ ጥይት ንመከላከያ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ኩሉ ብምቕራብ ተሓባባሪ ንክኸውነ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣፈላላዩ ንጎኒ ብምግዳፍ ናይ ሓባር ፀላኢ ብዝተሓባበረ ቅልፅም ኣብ ዝኾዓቶ ጉድጓድ ብምቕባር ሰላምን ሓድነትን ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ቃል ኪዳን ዝኣትወሉ ዕለት ሎሚ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቦም።

ብመላኩ ገድፍ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.