Fana: At a Speed of Life!

ፀሊም ኣሜሪካዊ ጀነራል ልሎይድ ኦስቲን ሚኒስትር ምክልኻል እታ ሃገር ንክኾኑ ተሓፂዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምሩፅ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይድን ጥሮታ ወፂኦም ንዝነበሩ ጀነራል ልሎይድ ኦስቲን ዋና ፀሓፊ ምክልኻል ንክኾኑ ከምዝመረፅዎም ተገሊፁ።

ወዲ 67 ዓመት ጀነራል ኦስቲን ንቤት ፅሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ (ፔንታጎን) ንኸመሓድሩ ዝተመረፁ ቀዳማይ ፀሊም ኣሜሪካዊ ክኾኑ ክኢሎም ኣለዉ።

ጀነራል ኦስቶን ኣብ ግዜ ፕሬዚዳንትነት ባራክ ኦባማ ዋና ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ዝነበሩ እንትኾኑ፥ ጥሮታ ካብ ዝወፅኡ ትሕቲ ሸውዓተ ዓመት ስለዝገበሩ እቲ ተሓፅየምዎ ዘሎዉ ሽመት ንኽፀድቀሎም ኣብ ባይቶ ዝኾነ ፀገም ከጓንፎም ከምዘይክእል እዩ ዝግመት።

ጆ ባይደን ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ካብ ዝመዝዙ ክልተ ሰሙን ድሕሪ ምግባሮም እዩ ንጀነራል ኦስቲን ዋና ፀሓፊ ምክልኻል ገይሮም ሸይመምዎም ዘሎዉ።

ብዛዕባ እቲ ጉዳይ፥ ጀነራል ኦስቲን ይኹኑ ምሩፅ ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ክሳብ ሐዚ ዝሃብዎ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.