Fana: At a Speed of Life!

ጴጥሮስ ማስረሻ ተዓዋቲ ውድድር ፋና ላምሮት ምዕራፍ 17 ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ምስ ዝነኣዱ ተወዳደርቲ ሓቢረሙኹም ዝፀንሑ ተወዳደርቲ ፋና ላምሮት ሎሚ ኣብ ዝተሳለጠ  ምዕራፍ 17 መዛዘሚኡ ረኺቡ።

ብመሰረት እዚ ጴጥሮስ ማስረሻ ተዓዋቲ ውድድር ፋና ላምሮት ምዕራፍ 17 ኮይኑ።

ናብቲ ውድድር ዝቐረቡ ተነሓናሕቲ ኣብርሃም ማርልኝ፣ ሱራፌል ደረጀ፣ ናሆም ነጋሽን ጴጥሮስ ማስረሻን ዝመረፅዎም ሙዚቃታት ምስ ባንዲ ኮኾብ ብምዃን ብሰለስተ ዙር ኣቕሪቦም።

ብድሙቕ ስነ ሰርዓት ኣብ ዝተሳለጠ እቲ ውድድር ድምፃዊ ጌታቸው ኣስፋው ብክብሪ ጋሻ ተረኺቡ።

ኣብዚ ምዕራፍ፥ ጴጥሮስ ማስረሻ ቀዳማይ ብምውፃእ  400 ሺሕ ብር ተሸሊሙ።

ናሆም ነጋሽ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ 300 ሺሕ ብር፣ ሱራፌል ደረጀ ሳልሳይ ብምዃን 200 ሺሕ ብር ከምኡውን ኣብርሃም ማርልኝ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ 100 ሺሕ ብር  ሽልማት ተበርኪቱሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.