Fana: At a Speed of Life!

ጨፌ ኦሮሚያ ስሩዕ ጉባኤኡ ፅባሕ ምክያድ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጨፌ ኦሮሚያ ስሩዕ ጉባኤኡ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ነክልተ ተኸታተልቲ መዓልታት ከካይድ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣፈ ጉባኤ ሰዓዳ ኣብዱራህማን፥ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝጠመተ ዘተ ብምግባር ውሳነታት ክመሓላለፉ ኢዮም ኢለን።

ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልልን ቀፃሊ ትልሚን ቀሪቡ ዘተ ከምዝግበረሉ እውን ሓቢረን።

ጉዳይ ሰላምን ፀፅታን፣ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳርን ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ፈላማይ ዘተ ዝግበረሉ ርእሲታት ከምዘኾነ ሓቢረነ።

ብመራኦል ከድርን ሙሉ ዋቅሹሜን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.