Fana: At a Speed of Life!

ጦር እስራኤል ብኢራን ክፍፀም ንዝኽእል መጥቃዕቲ ንምምካት ኣብ ተዳሎ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጦር እስራኤል ኢራን ክፍፅሞ ኢየ ንዝበለቶ መጥቃዕቲ ኣድላዪ ምላሽ ንመሃብ ኣብ ተዳሎ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ላዕለዋይ ሓላፊ ፖለቲካ ሃማስ ኢስማኤል ሃኒዬህን ላዕለዋይ ኣዛዚ ጉጅለ ዕጡቕ ሂዝቦላህ ሊባኖስ ኣብ ኢራን ከምዝተቐተሉ ይዝከር፡፡

ኢራን ነቲ ቅትለት ንእስራኤል ተሓታቲት ዝገበረት እንትትከውን÷ እስራኤል ብኣንፃሩ ምላሽ ካብ ምሃብ ተቖጢባ ኣላ፡፡

እቲ ተግባር ስዒቡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከቢድ ዓፀፋዊ ስጉምቲ ክወስድ ኢየ ክትብል ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቓ ኣላ፡፡

ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ክፍፀም ይኽእል ኢዩ ኣብ ዝተብሃለ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ጉጅለ ዕጡቕ ሂዝቦላህ ክሳተፍ ከምዝኽእል ተሓቢሩ፡፡

እስራኤል ብግደኣ÷ ካብ ኢራን ክፍፀም ዝኽእል ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ንምምካት ምስ ኣሜሪካ ዘተኣማምን ምድላው እናገበረ ከምዝኾነ ኣፍሊጣ ክብል ኣርቲ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.