Fana: At a Speed of Life!

ጦር ሶማሊያን ሚሊሻታት ከባን ብውሑዱ 100 ኣባላት ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ከምዝደምሰሱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጦር ሶማሊያን ሚሊሻታት ከባን ብውሑዱ 100 ኣባላት ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ከምዝደምሰሱ ሚኒስቴር ሓበሬታ እታ ሃገር ገሊፁ።

ሚኒስትር ሓበሬታ ዳውድ ኣዌይስ ንጋዜጠኛታት ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ኲናት ኣብ ዝተኻየደለን ወረዳታት ዊሲልን ሻቤሎን ኣብ ልዕሊ እቶም ግብረ ራዕዳውያን ስጉምቲ ተወሲዱ።

ሰራዊት ምክልኻልን ሚሊሻታትን እታ ሃገር ልዕሊ 100 ግብረ ራዕዳውያን ከምዘቑሰሉ እውን ገሊፆም።

ጦር እታ ሃገርን ዓለም ለኸ መሓዙት ፀፅታን ግብረ ራዕዳውያንን ኣዘዝቲን ብሓይሊ ጦር ተኸቢቡ ኣብ ዘለዎ ኣብ ማእኸላይ ሸበሌ ክልል ካብ ከተማ መሃዳይ ውፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ጫካ ውግ እናተኻየደ ከምዝኾነ ኣዌይስ ምግላፆም ኣናዶሉ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.