ጥንኩር ሃገር ንምህናፅ ሃገራዊ ፀገማት ብምይይጥን ብምዝርራብን ምፍታሕ የድሊ – ዶክተር ይልቃል ከፋለ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጥንኩር ሃገር ንምህናፅ ሃገራዊ ፀገማት ብምይይጥን ብምዝርራብን ምፍታሕ ከምዘድሊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ገሊፆም።
ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ምፍላጥ፥ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ሓዊሱ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን አርዓያ፣ ኣባላት እቲ ኮሚሽን፣ ካብ ክልል ኣምሓራ ዝተውእፅኡ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣዴታትን መናእሰይን ተረኺቦም።
ኣፈላላይ ብምፅባብን ብምክእኣልን ዝተመስረተት ጥንክርቲ ሃገር ንኽትህሉ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ጎኒ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ብምዃን ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ምግላፆም እውን ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡
ኣካቢ እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን አርዓያ፥ እቲ ኮሚሽን ኣብ ኢትዮጵያ ዘፈላልዩና ዛዕባታት ንምንካይን ሓድነት ንምጥንኻርን ተሓሲቡ ዝተጣየሸ ኢዩ ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።