Fana: At a Speed of Life!

ጥቁር ኣንበሳ ምርኢት ኣየር ኢትዮጵያ ብራንድ ዓለም ለኸ ምርኢት ኣየር ኮይኑ ክቕፅል ኢዩ – ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 88 ኣከባብራ በዓል መዓልቲ ምስረታ ሓይሊ ኣየር “ጥቁር ኣንበሳ” ብዝብል ዝተኻየደ ምርኢት ኣየር ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብራንድ ዓለም ለኸ ምርኢት ኣየር ብምዃን ከምዝቕፅል ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።

መበል 88 ኣከባብራ በዓል መዓልቲ ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብድምቀት ምዝዛሙ ስዒቡ ፍሉይ መርሃ ግብሪ ምስጋናን ኣፍልጦን ተኻይዱ።

ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ ኣብቲ መርሃ ግብሪ÷ መበል 88 ኣከባብራ በዓል ብታሪኻዊ ጥቁር ኣንበሳ ዓለም ለኸ ምርኢት ኣየርን ካብ ኣፍሪካ ፈላማይ ፎረም ሓይሊ ኣየርን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ምድላዋት ብዓወት ከምዝተዛዘመ ገሊፆም፡፡

እዚ ዓወት መላእ ኣባላት እቲ ትካል ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ብሓባር ብምስረሖም ዝተረኸበ ውፅኢት ብምዃኑ ኩሎም ምስጋናን ክብሪን ከምዝግበኦም ኣብሪሆም።

“ዝቐረበ ምርኢት ኣየር÷ ዓለም ዝተደመመሉን ኣብረርቲና እውን ኣብ ዝኾነ ዓለም ለኸ ምርኢት ኣየር ንምስታፍ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎም ብተግባር ዘረጋገፁሉ ነይሩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

“ጥቁር ኣንበሳ” ዝብል ምርኢት ኣየር ካብ ሕዚ ንደሓር ዝኾነ ይኹን ክወስዶ ዘይኽእልን ናይ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝኾነ ብራንድ ዓለም ለኸ ምርኢት ኣየር ኮይኑ ከምዝቕፅልን ምግላፆም ካብ ማሕበራዊ መዲያ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.