ጥምረት ፌዴራሊስት ሓይሊታት ኢትዮጵያ ውሳነ ምንዋሕ ምርጫ 2012 ዓ.ም ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጥምረት ፌዴራሊስት ሓይሊታት ኢትዮጵያ ውሳነ ምንዋሕ ምርጫ 2012 ዓ.ም ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ።
እቲ ጥምረት ህፁፅ ኣኼብኡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣሳሊጡ።
ቅድም ክብል ኣብ መቐለ ኣብ ዘሳለጦ ጉባኤን ካልኦት ኣኼባታቱን፥ “ምርጫ ኣብ ዝተቐመጠሉ ግዜ ሰሌዳ ክካየድ ኣለዎ” ዝብል ቅዋሙ እናገለፀ ከምዝፀንሐ ብምዝኽኻር፥ ይኹን እምበር እቲ ውሳነ ስሕተት ስለዝኾነ ምንዋሕ ምርጫ 2012 ዓ.ም ኣመልኪቱ ዝቐረበ መፍትሒ ሓሳብ ንድግፍ ኢና ኢሉ።
ቫይረስኮሮና ብብዙሕ መገዲ ኣብ ልዕሊ ኩነታት ዓለም ፅልዋ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ጥምረት፥ ነበራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ካብዚ ዝተፈለየ ከምዘይኮነ ገሊፁ።
ስለዝኾነ ቀዳማይ ኣጀንዳ እዚ እዋን ቫይረስ ኮሮና ምክልኻልን ኣጋጢሞም ዘለዉ ስግኣታት ሉኣላዊነት ምኽሻፍን ብምዃኑ ውሳነ ምንዋሕ ምርጫ ንቕበል ኢና ኢሉ።
እቲ ጥምረት ንኩለመዳይ ረብሓን ድሕንነትን ዜጋታት ንምቅላስ ዝተጣየሸ እምበር ናይ ዝኾነ ይኹን ጉጅለ ተቐበልቲ መልእኽቲ ኣይኮናን ኢሉ።
ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝተቐመጠሉ እዋን ንክፍፀምን ህዝቢ እውን ደገፉ ንከየቋርፅን እቲ ጥምረት ፃውዒቱ ኣቕሪቡ።
ጥምረት ፌዴራሊስት ሓይሊታት ኢትዮጵያ ፈላማይ ጉባኤኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየደ እንትኸውን፥ ዕላዊ ቢሮኡ ኣብዚ ከተማ ምኽፋቱ ኣፍሊጡ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana