ጥሕሰት ሕጊ ዶፒንግ ፈፂሞም ዝተብሃሉ ኣትሌታት ተቐፂዖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ህብስት ጥላሁን ኣስረስ፣ ሳሙኤል ኣባተ ዘለቀን ፀሐይ ገመቹ በያንን ዝተኸልከሉ ዘተባብዑ ቅመማት(ዶፒንግ) ብምጥቃም ጥሕሰት ሕጊ ከምዝፈፀሙ ተረጋጊፁ።
ብመሰረት እዚ ኣትሌት ፀሐይ ገመቹ በያን ብመሰረት ዝተገበረላ ምርመራ ባይሎጂካል ፖስፖርት ኣትሌት እቲ ቅመም ምጥቃማ ከምዝተረጋገፀ በዓል መዚ ፀረ ምትብባዕ ቅመማት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ካብ 30 ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 4 ዓመታት ኣብ ዝኾነ ይኹን ውድድራት ስፖርት ንከይትሳተፍ ተወሲኑ።
ብተወሳኺ ካብ 2020 ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2024 ዘመዝገበቶ ውፅኢት ንክስረዝ ቅፅዓት ተመሓላሊፉላ።
ኣትሌት ህብስት ጥላሁን ኣስረስ ኣብ ቻይና ኣብ ዝነበረ ውድድር ብዝተገበረ ምርመራ Triamcinolone acetonide ዝተብሃለ ዝተኸልከለ ንጥረ ነገር ምጥቃማ ተረጋጊፁ።
ስለዝኾነካብ 3 ሰነ 2024 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ንክልተ ዓመታት ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓይነታት ውድድር ስፖርት ንከይትሳተፍ እገዳ ተነቢሩላ።
ኣትሌት ሳሙኤል ኣባተ ዘለቀ፥ 29 ለካቲት 2023 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዝተኻየደ ምርመራ EPO (Erythropoietin) ዝተብሃለ ዝተኸልከለ ነጥረ ነገር ከምዝተጠቐመ ተረጋጊፁ።
ስለዝኾነ ካብ 17 ሚያዝያ 2024 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ን2 ዓመታት ኣብ ዝኾነ ውድድራት ስፖርት ንከይሳተፍ ዘኽእል አግድ ተነቢሩሉ።