Fana: At a Speed of Life!

ጣቢያ ፍተሻ ሞያሌ ሓበራዊ ምትእስሳር ንግዲ ንኽድንፍዕ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝርከብ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጣቢያ ፍተሸ ሞያሌ ሓበራዊ ምትእስሳር ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ንኽድንፍዕ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ኣብዚ ዓመት ወርሒ ሕዳር ተመሪቑ ዝተኸፈተ ሓበራዊ ፍተሸ ጣቢያ ኢትዮጵያን ኬንያን፥ ማሕበረሰብ ንግዲ ዝተቐላጠፈ ኣገልግሎት ንኽረክብ በሪ ዝኸፈተ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ጣቢያ ፍተሸ ስራሕ ድሕሪ ምጅማሩ ዝተረኣዩ ዓወታትን ዘጋጠሙ ዕንቅፋታትን ዝድህስስ ዘተ ኣመራርሓታት፣ ነጋዶን ሰብ ሞያ ሚዲያን ጉምሩኽ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተረኸቡሉ ፀገማት ብዛዕባ ዝፍትሑሉ ኣግባብ ናይ መፍትሒ ኣንፈት ተነቢሩ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ከይዲ ኣጋርነት ዓለም ለኸ ምትሕብባር ኮሚሽን ጉምሩኽ መተሓባበሪ ኣይተ ኣብረሃም ጉደታ፥ እቲ ሓበራዊ ጣቢያ ፍተሻ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተዋደደ ኣወፃፅኣ ኣቑሑት ጉምሩኽ ንኽህሉ ስለዝሓገዘ ሕድሕድ ልውውጥ ንግዲ ዘዕቢ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ሓላፊ ዝተዋደደ ኣገልግሎት ዶብ ኬንያ ሞያሌ ጆይል ኢንደጌ ብግደኦም፥ ጣቢያ ፍተሸ ሞያሌ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዘትረፈ ኢሉ እውን ሰላም እቲ ከባቢ ብምዕሳል እናበርከቶ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ልዑል ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ኮሚሽን ጉምሩኽ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.