Fana: At a Speed of Life!

ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ረጲ ፅገና ይግበረሉ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጣቢያ ደረቕ ርስሓት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ረጲ ምፅራይ ረሳሕ፣ ፅገና ተርባይንን ጀነሬተርን እናተገበረሉ ምዃኑ ተገሊፁ።

መካየዲ ስራሕ እቲ ጣቢያ ኣይተ ብሩክ ኤባ ከምዝበሉዎ÷ ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ እናተሳለጠ ዝርከብ ፅገና ክሳብ መወዳእታ ታሕሳስ ብምዝዛም እቲ ጣቢያ ሓይሊ ናብ ምፍልፋል ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ፡፡

ናብቲ ጣያ መፈልፈሊ ሓይሊ ዝመፅእ ፅሬት ረሳሕ ካብ ዝድለ ደረጃ ንታሕቲ ብምዃኑ፣ እቲ ጣቢያ መፈልፈሊ ብባህሪኡ ፍሉይ ብምዃኑን ሕፅረት ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ብምህላዉን ብልሽት ከምዘጋጥም ገሊፆም፡፡

እቲ ጣቢያ ንግዚኡ ሓይሊ ምፍራይ የቋርፅ እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መዓልቲ ብማእኸላይ 600 ቶን ርስሓት እናኣከበ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.