Fana: At a Speed of Life!

ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ጊንጪ ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ጊንጪ ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ክፍቲ ከምዝኾነ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ላርሰን ኤንድ ቱርቦ ብዝተብሃለ ኩባኒያ ህንዲ ዝተሃነፀ ባዓል 230/15 ኪሎ ቮልትጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ጊንጪ ንኣገልግሎት ድልዊ ኮይኑ ኣሎ።

መካየዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ኣይተ ዳዊት ገ/እግዝአብሔር፥ ምዝዛም እቲ መከፋፈሊ ጣቢያ ኣብ ጊንጪን ከባቢኣን ዝርከባ ከተማታት ዝፍጠር ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክብ ምትራፉ ብተወሳኺ ዘተኣማምን ሓይሊ ንምቕራብ ከምዝሕግዝ እውን ኣፍሊጦም።

እቲ ጣቢያ ሓይሊ ዝረክብ ካብ ገፈርሳ ክሳብ ጌዲዮን ዝተዘርገሐ ባዓል 230 ኪሎ ቮልት መተሓላለፊ መስመር ኤሌክትሪክ እንትኸውን፥ ክልተ ባዓል 50 ሜጋ ቮልት ኣምፒር ትራንስፎርመራት ተተኺሎምሉ ኢዮም።

ኣብ 2008 ዓ.ም ዝተጀመረ እቲ ፕሮጀክት ብሓፈሻዊ ወፃኢኡ ብር 67 ነጥቢ 8 ሚሊየን እንትኸውን፥ እቲ ጣቢያ ክልተ ፅምዲ ባዓል 230 ኪሎ ቮልት ኣታዊን 10 ባዓል 15 ኪሎ ቮልት ወፃኢን መስመራት ዘለዉዎ ከምዝኾነ ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.