Fana: At a Speed of Life!

ጣሊያን ክልከላታት ዘፍኮሰት እንትትከውን ኣብ ጀርመን ድማ ህፃናት ናብ ቤት ትምህርቲ ይምለሱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጣሊያን ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ኣንቢራቶ ዝነበረት ጥቡቕ ክልከላ ምፍኳስ ጀሚራ።

እታ ሃገር ንኽልተ ኣዋርሕ ዝኣክል ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ኣጊዳ ምፅናሓ ይፍለጥ።

ሕዚ ድማ እቲ ክልከላ ብምፍኳስ ፈላሚት ኣውሮፓዊት ሃገር ኮይና ኣላ።

በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሓደሽቲ ሰባት ከምኡ እውን ህይወቶም ዝሓልፉ ሰባት ቁፅሮም እናነከየ ምምፅኡ ስዒቡ እቲ እገዳ ክፈኩስ ከምዝጀመረ ተገሊፁ።

ነዙይ ስዒቡ ልዕሊ 4 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሰባት ናብ ስራሕ ዝተመለሱ እንትኾኑ፥ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን(ማስክ) ንኽገብሩ ግን ግቡእ ተነቢሩሎም ኣሎ።

ጣሊያን ብምኽንያት ብቫይረስ ኮሮና ብልዑል ብርኪ ካብ ዝተሃሰያ ሃገራት ኣውሮፓ ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘት ሃገር እንትትከውን ልዕሊ 29 ሺሕ ዜጋታታ ክትስእን ተገዲዳ ኢያ።

ካብ ጣሊያን ወፃእ ኣብ ግሪኽ ዝተወሰኑ ክልከላታት ዝተልዓሉ እንትኾኑ፥ ኣብ ጀርመን ድማ ህፃናት ናብ ቤት ትምህርቲ ይምለሱ ኣለዉ።

ዝተወሰኑ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ዓማዊል ንምትእንጋድ እናተዳለዉ ከምዝኾኑ እውን ፀብፃባት የመላኽቱ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲን ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.