Fana: At a Speed of Life!

ጣሊያን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ናይ ምጥንኻር ድልየት ከምዘለዋ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጣሊያን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ናይ ምጥንኻር ድልየት ከምዘለዋ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር  ኤድሞንዶ ቺሬሊ ገሊፆም።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር  ኤድሞንዶ ቺሬሊ ዘቲየን።

እቲ ዘተ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ምስ ጣሊያን ዘለዋ ኩለመዳያዊ ር%ክብ ምጥንኻር ከምእትደሊ እተን ኣምባሳደር ተዛሪበን።

ጣሊያን ነዚ ንምጥንኻር እትገብሮ ዘላ ስራሕቲ እውን ንኢደን።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር  ኤድሞንዶ ቺሬሊ ብግደኦም፥ ጣሊያን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ናይ ምጥንኻር ድልየት ከምዘለዋ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.