Fana: At a Speed of Life!

ጣሊያን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቡን ዘለዋ ምትሕብባር ክተጠናኽር ከምትደሊ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኤጀንሲ ምትሕብባር ልምዓት ጣሊያን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቡን ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ኣፍሊጡ።

ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘፈር ውልቀ ልምዓት ቡን ዘለዋ ተሳትፎ ንምድንፋዕ ምስ ሃገር በቆል ኣፍረይቲ ብምትእስሳር ሞያዊ ሓገዝ ናይ ምሃብ ድሌት ከምዘለዋ ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ሚሼል ሞራና ገሊፆም፡፡

ብሓገዝ መንግስቲ ጣሊያን እናተተግበረ ዝርከብ ምትእስሳር እታወት ዓውዲ ፍርያት ቡን ኢትዮጵያ ናይ ምጥንኻር ፕሮጀክት ውፅኢታት እናተረኸበ ምዃኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.