Fana: At a Speed of Life!

ጠንካራ ውዳበ ፓርቲ ኣብ ምፍጣር ግደ ኮሚሽን ኢንስፔክሽንን ስነ ምግባርን ልዑል ኢዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጠንካራ ውዳበ ፓርቲ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ከይዲ ግደ ኮሚሽን ኢንስፔክሽንን ስነ ምግባርን ልዑል ከምዝኾነ መክትል ፕሬዚደንትን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈትን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

እቲ ኮሚሽን ካብ ማእኸል ጀሚሩ ክሳብ ታሕተዋይ መሓውር ዓቕሚ እቲ ትካል ንምጥንኻር ኣብ ዝተገበረ መንቅስቓስ ጠንካራ መሓዉር እቲ ኮሚሽን ይፍጠር ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ኣብ ቀፃሊ እቲ ኮሚሽን ኣብ ውሱናት ትካላዊ መሓዉራት ዝረኣዩ ናይ ኣረኣእያ ክፍታት ንምእራም፣ በቢብርኩ ዝርከቡ መሓዉራትፓርቲ ብልፅግና እቲ ኮሚሽን ብሓይሊ ሰብን ዝተፈላለዩ ጉዳያትን ምድጋፍ ከምዝግባእን እቲ ኮሚሽን ዘቕርቦም ምክረ ሓሳባት ተቐቢልካ ምትግባር ከምዝግባእን ኣንፈት ኣቐሚጦም።

ብሓፈሻ ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ እቲ ፓርቲ ዝተቐመጡ ኣንፈታት ስዒቡ ጠንካራ ናይ ፓርቲ ትካል ንምፍጣር፣ ዴሞክራሲ ውሽጢ ፓርቲ ንምንጋስ፣ ግልፅነት ኣሰራርሓ ንክህሉ ኢሉእውን ስርዓት ክትትልን ቁፅፅርን ንምትግባር ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ውፅኢት ምምፃእ ከምዝተኽኣለን ኣጠናኺርካ ምቕፃል ኣድላዪ ከምዝኾነን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.