Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣቢይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛትም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ንምግባር ትማሊ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ዶክተር ኣቢይ ተራኺቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘትዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበሉዎ፥ ርክብ ኢትዮጵያን ካናዳን ብርቱዕ ከምዝኾነ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ልዑል ቦታ ከምትህበሉ እውን ገሊፆም።

ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ዝዘለቐ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንኽጠናኸር ኢትጵያ ዓቢዪ ድሌት ከምዘለዋ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ጀስቲን ትሩዶ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያን ካናዳን ኣብ ዘፈራት ትምህርቲ፣ ልምዓትን ኢኮኖሚን ነዊሕ ዓመታት ዘቑፀረ ምትሕብባር ከምዘለወን ገሊፆም።

ሃገሮም ካናዳ እቲ ምትሕብባር ንኽምዕብል ድሌት ከምዘለዋ ኣብሪሆም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዓውዲታት ልምዓት፣ ለውጢ ከባቢ ኣየር፣ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት ኢነርጂ፣ ኣግሮ-ፕሰሲንግ፣ ኣፋውስን ካልኦት እታወታትን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም እውን ተዛትዮም ኢዮም።

ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ብሓባር ምስራሕ ሓደ ኣጀንዳ ኣንፈት ናይ ምትሕብባር ክኸውን ንብምግባር ዘትዮም።

ድሕሪ እቲ ዘተ፥ ክልቲኦም መራሕቲ ብሓባር ብምዃን ኣብ ፓርክ ኣንድነት ዑደት ኣካይዶም።

ብኣልኣዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.