Fana: At a Speed of Life!

ጎድና ጎድኒ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ደም ናይ ምልጋስ ተግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጎድና ጎድኒ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ደም ናይ ምልጋስ ተግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ፀዊዐን።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጥዕና ሎሚ መዓልቲ ኣብ ብሄራዊ ባንኪ ደም ተረኺቦም ደም ለጊሶም።

ዶክተር ሊያ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ምእታዉ ስዒቡ ቁፅሪ ለገስቲ ደም ነክዩ ከምዝነበረ ኣዘኻኺረን።

እቲ ፀግ ንምፍታሕ ኣብ ዝተገበረ ተኸታታሊ ወፍሪ ምብርባር ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁፅሪ ደም ዝልግሱ ሰባት ምምሕያሽ ኣርኢዩ ኣሎ ኢለን።

ቁፅሪ ለገስቲ ደም ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ምምፅኡ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ እቲ ተግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪበን።

“ሕዚ እውን ደም ዘድሊዮም ዜጋታትና ኣብ ውሽፀጢ ሕክምና ኣለዉ፤ ስለዝኾነ ደም ናይ ምልጋስ ተግባርና ኣጠናኺርና ክንቅፅል ይግባእ” ኢለን።

ብፍላይ ቫይረስ ኮሮና ቅልውላው ጥዕና ኣብ ዝፈጠረሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ደም ምልጋስ ዋግኡ ዝዓዘዘ ከምዝኾነ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.