Fana: At a Speed of Life!

ጎንፂታት ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ነዳዲ ዘከፋፍሉ 14 ኩባኒያታት ብቐጥታ ካብ ጂቡቲ ነዳዲ ንክፅዕኑ ተፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ነዳዲን ኢነርጂን በዓል ሰልጣን ጎንፂታት ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ነዳዲ ዘከፋፍሉ 14 ኩባኒያታት ብቐጥታ ካብ ጂቡቲ ነዳዲ ንክፅዕኑ ፈቒዱ።

ኣብቲ በዓል ሰልጣን ናይ ነዳዲ ኣቕርቦት፣ ሎጂስቲክስን ክትትልን ዳይረክተር ኣይተ ፈቃዱ ሹመት ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ብቐጥታ እቶም ነዳዲ ንክፅዕኑ ፍቓድ ዝተውሃቦም 14 ኩባኒያታት ቅድመ ሐዚ ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኢዮም።

ብምኽኒያት እቲ ጎንፂ ናይ ነዳዲ ኣቕርቦት ተቛሪፁሎም ዝነበሩ ከባቢታት ዘሎ ነባሪ ብፍጥነት ተጠቃሚ ንምግባር መንግስቲ ዘሕለፎ ውሳነ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ በዓል ስልጣን ናይ ህዝቢ ርክብን ኮሙኒኬሽንን ዳይሬክተር በቀለች ኩማ ብግደአን፥  የተባበሩት፣ ኖክ፣ ኦይል ሊቪያ፣ ቶታል፣ ታፍ፣ ናይል፣ ዳሎል፣ ጎመጁ፣ ሐበሻ፣ አለፋይ፣ ዴልታ፣ ባሮ፣ እስካይን ኩምቢን ምዃኖም ኣብሪሀን።

በዮሐንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.