Fana: At a Speed of Life!

“ግፍዒ ዝፈፀሙለይ ናይ ኢዶም የሃቦም ኢለ ንፈጣረ ገዲፈዮ ኢየ” – ብዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተደፈራ ፈላሲት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)“ግፍዒ ዝፈፀሙለይ ናይ ኢዶም የሃቦም ኢለ ንፈጣረ ገዲፈዮ ኢየ” ክብላ ብዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተደፈራ ጓ 70 ዓመት ፈላሲት ገሊፀን።

ወራሪ ሓይሊ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝኣተወሎም ከባቢታትን ኣጋጣሚታትን ንዋታዊ ዕንወትን ዘይሰብኣዊ ግፍዒን ኣብፂሑ ኢዩ።

ገለገሊኦም ግና ብፍላይ ብመንፅር ኢትዮጵያዊ ክብሪታት እንትረአዩ ንሰማዒ ዘደናግሩ፣ ንምእማን ዝኸብዱ፣ ምግባር ተሪፉ ንምሕሳብ ዝኸብዱ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ንሰራዊት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ መዓላታዊ እኩይ ተግባራት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ካብ ሞንጎ ዝተፈፀሙ ምቕታል ንፁሃን ካብ ዓለማዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጉድኣታት ሓሊፉ፥ ብኣስተምህሮ ሃይማኖት ንዘለኣለማዊ ህይወት ዘይፅገኑ መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሊ መነኮሳት ተፈፂሙ ኢዩ።

እናሓጎ ኣዴታት ደቂደቀን ብዝኾኑ ኣባላት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ተደፊረን ኢየን።

ግዜኢ ኣብ ከተማ ራያ ቆቦ ተረኺቡ ዘዘራረበን ጓ 70 ዓመት ሽማግለ ኣዶ በቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ግዳይ መነወሪ ተግባር ካብ ሞንጎ ዝኾና ፈለስቲ ሓንቲ ኢየን።

ዓለም የኣኽኒ ብምባል ኣምላኸን ንምምስጋን ናብ ደገ ሰላም ምምምልላስ መዓልታዊ ተግባረን ዝገበራ እዘን ፈላሲት፤ ብኣባላት ጉጅለ ተደፊረን ንጉድኣት ስነ–ኣእምሮ በፂሑወን ኢዩ።

እተን ኣዶ ነቲ ኩነታት እንትገልፃ፥ “ክልተ ኣባላት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ናብ ገዛይ ብምእታው ሓደ ኣፈይ ዓፊኑኒ ኣነ ድማ ዓቕሚ ስኢነ ወዲቐ” ይብላ።

“ግደፉኒ ቆራቢት ሰጋዲት እየ ኢለ መስቀለይ ኣርኢየ እንተለመንኩዎም ብግዲ ንክልተ እናተባረዩ ደፊሮምኒ” ክብላ ጭካነ እቶም ኣባላት እቲ ጉጅለ ገሊፀን።

ካብ ወዲ ሰብ ትፅት ዘይግበር ተግባር ዝፈፀመ ገበነኛታት ከምዝኾኑ ዝገለፃ እሞሆይ፥ “ኣባይ ዝበፅሐ በደል ንፈጣሪ ሂበዮ ኢየ፤ ፈጣሪ ናይ ኢዶም የሃቦም” ኢለን።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.