ግድብ ህዳሴ ምስሊ ሰዓሪት ኢትዮጵያ ኢዩ -ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብርኪ ህንፀት ግድብ ህዳሴ ኣብዚ ምብፅሑ ምስ ተፋሰስቲ ሃገራት ሩባ ኣባይ ዝበለፀ ንኽንተሓባበር በሪ ዲፕሎማሲ ከምዝኸፍት ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።
መብሰሪ መርሃ ግብሪ ሳልሳይ ዙር ምልኢት ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ መደረ ዘስምዓ ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ÷ እቲ ግድብ ሓይሊ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ትርጉም ዘለዎ ምስሊ ተዓዋቲት ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
“እቲ ግድብ ሓይሊ ካብ ምሃብ ዝሓለፈ ትርጉም ዘለዎ ኢትዮጵያዊ ግድብ ኢዩ” ኢለን፡፡
ኢትዮጵያውያን እንተተሓጋጊዝና ክንሰርሕን ክነዕውትን ከምንኽእል መርአዪ፤ ናይ ተዓዋቲት ኢትዮጵያ ምስል ከምዝኾነ ተዛሪበን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com