Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ኣርኣያ ፕሮጀክት ኩለ መዳይ ዞባዊ ረብሓ ኢዩ-ሱዳናዊ ተንታኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣርኣያ ፕሮጀክት ኩለ መዳይ ዞባዊ ረብሓ ሃገራት ዘሐሉ ኣፍሪካዊ ፕሮጀክት ልምዓት አዩ ክብል ነበር ዲፕሎማት ጋዜጠኛን ተንታኒን ሱዳናዊ መኪ አልሞግራቢ ገሊፁ።

መኪ አልሞግራቢ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፥ እቲ ግድብ ምስ መትከላት ሓለዋ ከባቢ ተስማዕሚዑ ኣብ ዓውዲ ልምዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይተን ሃገራት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ምንቅስቓስ ዘቀላጥፍ መሳርሒ ኢዩ ኢሉ።

ሕፅረት ሓይሊ ዘቕልል፣ ዞባዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ንምጥንኻርን ቁልፊ ሓይሊ ተረባሒ ምንቅስቓስ ልምዓት ንምቅልጣፍ ከምዝሕግዝ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ሓደጋ ውሑጅ ንሱዳን ዘስዕቦ ዝነበረ ሓደጋን ስግኣትን ኣብ ምቕናስ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ተዛሪቡ።

ጉዳይ እቲ ግድብ ዓለም ለኻዊ ትሕዝቶን ቅርፅን ንምትሓዝ ዝግበር ፈተነታት ተቐባልነት ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

ብሕታዊ መፍትሒ ኣፈላላይ ክኸውን ዝኽእል ኣብ መንጎ  ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ዝግበር ዘተ ጥራሕ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ሓቅታት ኣፍሪካ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምርዳእ ይኹን ኣብ ልዕሊ ከምዚኦም ዝበሉ ዓበይቲ ፕሮጀክቲታት ዝግበር ፅዕንቶታት ነምክልኻል ኣህጉራዊ ሚዲያ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ ኢሉ።

የግድቡን የግንባታ ሂደት ለሶስት ጊዜ መጎብኘታቸውን በማንሳትም መቼም ቢሆን በፕሮጀክቱ ዙሪያ ያላቸው ቀና አመለካከት እንደማይቀየርም አስረድተዋል።

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

#Ethiopia

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.