Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብደለል ንኸይመልእ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብደለል ንኸይመልእ ኣቐዲሞም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ ተባሂሉ።

ኣብ ስራሕቲ ተፋሰስ ልምዓት ዘድሃበ ሃገር ለኸ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ይሣለጥ ኣሎ።

ህይወት ሓረስቶትን ሰበኽሳግምን ብዘላቕነት ንምቕያርን ንምርግጋፅ ጉዕዞ ህዳሰ ኢትዮጵያን ብልዑል ወፃኢ ዝህነፁ ዘለዉ ግድባት፥ ብደለል ከይመልኡ ምክልኻል ከምዝግባእ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት በሄራዊ ቤት ምኽሪ መተሓባበሪ ተሳትፎ ህዝቢ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ  ወይዘሮ ሮማን ገብረስላሴ ኣገንዚበን።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኩሎም ከባቢታት ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ተፋሰስ ብር 81 ቢሊዮን ግምት ዘለዎም ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ እውን ተዛሪበን።

ሕብረትን ሓድነትን ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብተግባር ዘረጋገፀ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፥ ከይዲ ህንፀቱ 69 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ምብፅሑ ተገሊፁ።

ንሳልሳይ ግዘ እናተሳለጠ ዝርከብ እቲ ሃገር ለኸ መድረኽ፥ ኣብ ግድባት ማይን ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስን ኢትዮጵያ ዘድሃቡ ሓሙሽተ መፅናዕታ ፅሑፋት ቀሪቦም ዘተ ከምዝግበረሎም ካብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.