Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዘቕርቦ ሓይሊ ብዲፕሎማሲን ዝተፈላለዩ ዓውዲታትን ኩለመዳይ ረብሓ ዝህብ ኢዩ – ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሳሊኒ

ኣዲ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ)ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዘቕርቦ ሓይሊ ብዲፕሎማሲን ዝተፈላለዩ ዓውዲታትን ኩለመዳይ ረብሓ ዝህብ ከምዝኾ መስራቲ፣ በዓል ዋናን ዋና ፈፃሚ ስራሕን ኩባኒያ ሳሊኒ ፔድሮ ሳሊኒ ገሊፆም።

እቶም መካየዲ ስራሕ ኣብ መርሃ ግብሪ መብሰሪ ምጅማር ፍልፍል ሓይሊ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ “ንዓና ንኢትዮጵያውያን ዓቢዩ ረብሓ ሒዙልና ክመፅእ ኢዩ፤ ንዓና ዝበልኩሉ ምኽንያት ድማ ኣነ ባዕለይ ከም ኢትዮጵያዊ ስለዝቖፅር ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ካብ ፈጣሪ ዝተውሃባ ፍሉይ ፀጋ ማይ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፥ ማይ ድማ ንመፈልፈሊ ዝሕደስ ሓይሊ ክተውዕሎ ምኽኣላ ኣብ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ክተርኢ ከምዝኸኣለት ገሊፆም፡፡

እቲ ግድብ ዘፈራት ቱሪዝም ኣብ ምድጋፍ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ እውን ኣብሪሆም፡፡

እቲ ፕሮጀክት ብቐሊሉ ኣብዚ ኣይበፅሐን ዝበሉ ፔድሮ ሳሊኒ፥ “እቲ ግድብ ከይሳኻዕ ፃዕሪ ዝገብሩ ብዙሓት ፀላእቲ ነይሮም፤ ነዚ ተፃዊርና ቀዳማይ ውፅኢት ምርኣይ ምኽኣልና ደስ ኢሉኒ” ኢሎም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.