Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ ኣብ ትካላት ፋይናንስ ዝተፈተኑ መጥቃዕቲታት ሳይበር ከምዝፈሸሉ ምምሕዳር ኢንፎርሜሽን መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ ኣብ ዓበይቲ ትካላት ፋይናንስ ዝተፈተኑ መጥቃዕቲታት ሳይበር ከምዝፈሸሉ ምምሕዳር ኢንፎርሜሽን መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ምምሕዳር ዶክተር ሹመቴ ግዛው፥ ሰላምን ዕቤትን ኢትዮጵያ ብዘይደልዩ ሃገራት ዝሕገዝ ትካል ህንፀት ግድብ ሕዳሰ ንምትእጉጓል ብምሕሳብ “ወርሒ ብላክ ፒራሚድ” ብዝብል ስያመ ኲናት ሳይበር ከምዝተኸፈተ ብምሕባር፤ እቲ ፈተነ ጉድኣት እንተየብፀሐ ምፍሻሉ ኣብሪሆም፡፡

ብፍላይ ድማ ትካላት ፋይናንስ ዝጥቀሙሎምን ሕድሕዶም ዝተኣሳሰሩን 37 ሺሕ ኮምፒዩተራት መጥቃዕቲ ብምፍፃም ግድብ ህዳሰ ንምትእጉጓ ተፈቲኑ ኢዩ ኢሎም።

ግድብ ህዳሰ ሓይሊ ምፍልፋል ድሕሪ ምጅማሩ ዝፍነዉ መጥቃዕቲታት ሳይበር ክቕፅሉ ከምዝኽእሉ ይግመት ዝበሉ ዶክተር ሹመቴ፥ ነዚ ድማ ጥንኩር ድሕንነት ሳይበር ተግባራዊ ብምግባር ምስ ትካላት ህንፀትን ቁፅፅርን ግድብ ህዳሰ ብቐረባ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብተመሳሳሊ እውን ኣብ ዓበይቲ ትካላት ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዘተኮሩ ብዙሓት መጥቃዕቲታት ሳይበር ብፃዕሪ ሰብ ሞያታት ከምዝፈሸለ ከምዝተገበረ ምግላም ትፕኢ ፀብፂቡ።

ኣብ መንፈቕ ዓመት 2014 ዓ.ም ልዕሊ 3 ሺሕን 400 ልዑልን ሓደገኛን ዝኾኑ መጥቃዕቲታት ሳይበር ከምዝተመከቱ ዝገለፁ ዶክተር ሹመቴ፥ እቶም ትካላት ካብ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲታት ንባዕሎም ንምሕላውን ንምክልኻልን ኣድለይቲ ዝበሃሉ ምድላዋት ክገብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.