Fana: At a Speed of Life!

ግደ ዲያስፖራ ኣብ ምስፋሕ ኢንቨስትመንት ትግራይን ዕድላቱን ዝዝቲ ዋዕላ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ግደ ዲያስፖራ ኣብ ምስፋሕ ኢንቨስትመንት ክልል ትግራይን ዕድላቱን ዝዝቲ ዋዕላ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዘሰናደኦ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣሸንዳ 2016 ዓ/ም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ፀጋታትትን ብድሆታትን ኢንቨስትመንትን ክልል ትግራይ ምስ ዓለም ለኸ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ (GSTS) ብምትሕብባር ግደ ዲያስፖራ  ኣብ ምስፋሕ ኢንቨስትመንትን ዕድላቱን ዝዝቲ ዋዕላ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ  ኣፅብሃ ገብረ እግዚኣብሄር(ዶ/ር) ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን መድረግቲ ኣካላትን ይሳተፉ ከምዘለዉ ኣብ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.