ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕርሻ ኣብ ምዕባይ ዝገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ልምዓት ሕርሻ ክልል ትግራይ ጠመተ ዝገበረ ሃገራዊ ስምፓዝየም ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ መድረኽ፥ ብምትሕብባር ሚንስቴር መስኖን ከባቢታት ቆላን፣ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ክልል ትግራይ፣ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዝተሰናድአ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ፥ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ዝዓነወ ኢንቨስትመንት ሕርሻ ኣብ ምምላስ ኩሎም መደርግቲ ኣካላት እጃሞም ከበርክቱ ተላብዮም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ሕርሻ ኣብ ምዕባይ ዝገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ተዛሪቦም።
ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ በርሁ ሃፍቱ፥ ብስንኪ ኲናት ኣብ ትካላት ንግዲ ከቢድ ዕንወት ከምዝበፅሐ ብምግላፅ ነዚ ንምምሕያሽ ፃዕርታት ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።
እቲ መድረኽ ነቲ ኣብ ነጋዶ ዘጋጠመ ኩለ መዳይ ፀገም ክፈትሕ ትፅቢት ንገብር እውን ኢሎም።
ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ እያሱ ኣብርሃ(ዶ/ር)፥ ብዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ኣብ ምምሕያሽ ሕርሻ እቲ ክልል ምንቕስቓሳት ይግበር ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ሚኒስቴር ሕርሻ ፌዴራል፥ ሓረስቶት ዘበናዊ መካናይዜሽን ንክጥቀሙ ብቐፃልነት ክድግፎም ድማ ፀዊዖም።