Fana: At a Speed of Life!

ግዝኣት ዶንባስ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ወታደራዊ ሓይሊታት ሩሲያ ኣቲያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2014( ኤፍ ቢሲ)ግዝኣት ዶንባስ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ቁፅፅር ዩክሬን ወፂኣ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ወታደራዊ ሓይሊታት ሩሲያ ከምዝኣተወት ሚኒስቴር ምክልኻል ሩሲያ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ምክልኻል ሩሲያ ሰርጌይ ሾይጉ ሎሚ መዓልቲ ንፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝገበሩሎም ገለፃ፥ ዝተረፉ ወተዳራት ዩክሬን ካብ ግዝኣት ሉሃንስክ ተፀራሪጎም ከምዝወፅኡ ኣፍሊጦም፡፡

ወታደራዊ ሓይሊታት ሩሲያን ተገንፀልቲ ዶንባስን፥ ካብ 2014 ጀሚሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዩክሬን ዝፀንሐት ክልል ሉሃንስክን ዋና ከተማ ሊሲቻንስክን ሎሚ መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓሉዋ እቶም ሚኒትር ኣብሪሆም፡፡

ተቓለስቲ ሓይሊታት ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ከተማ ሊሲቻንስክ ንመሓዝ ኣብታ ከተማ ከባቢ መፃረዪ ነዳዲ ከቢድ ውግእ ከምዝገበሩ ቅድም ክብል ተፀብፂቡ ነይሩ፡፡

ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዶሚር ዘለንስኪ ቅድም ክብል ብወታደራዊ ሓይሊታት ሩሲያ ዝተትሓዙ ከተማታት ክነልቅቖም ኢና ምባሎም ዝዝከር ኢዩ።

ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወታደራዊ ወፍሪ ካብ ሞንጎ ዝወሰደትሎም ምኽንያታት ሓደ፥ ዩክሬን ብመሰረት ስምምዕነት ሚኒስክ ክልላት ዶስክን ሉሃንስክን ፍሉይ ምሕደራ ዓርሰ ግዝኣት ንምትግባር ፍቓደኛ ብዘይምዃና ከምዝኾነ ኣርቲ ፀቢፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.